ዞባታት ደቡብን ማእከልን ኣብ 2012

ረጃ መነባብሮን ዓይነት ህይወትን ናይ ኩሉ ህዝቢ፡ ወይ’ውን ብውሑዱ ናይቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ክቕየር እንተኾይኑ፡ ቁጠባ ክዓቢ ክኽእል ኣለዎ። ኩሉ ፕሮግራማት ቁጠባዊ ዕቤት ከኣ ነዚ ዕላማ’ዚ ክወቅዕ ኢሉ እዩ ዝመጽእ። እቲ ገስጋስ ናይቶም ዝትግበሩ ፕሮግራማት ቁጠባዊ ዕቤት ክሳብ ክንደይ ናይ ዝሰፍሐ ህዝቢ ደረጃ መነባብሮን ዓይነት ህይወትን ይቕይር ግን ዳይናሚካዊ ስለዝኾነ፡ ኣብ ሓደ ስጉሚ ወይ ብሓጺር ግዜ ዝጭበጥ ነገር ኣይኮነን – በብንእሽቶ እዩ ዝውህለል። በዚ ይኹን በቲ ግን፡ ስጉምኻ ይዕበ ይንኣስ ክትልክዖ ክትክእል ኣለካ። እዚ ማለት፡ በብእዋኑ ዝተዓየ ስርሓት ብግቡእ ክግምገም ኣለዎ ማለት እዩ። ብውልቂ ይኹን ብደረጃ ሃገር፡ ዝሓለፈ ስርሓት ምግምጋም፡ ቅኑዕ ስእሊ ናይቲ ብልክዕ ዝተሰላሰለ ስርሓት ክትረክብን ዝቕጽል ዕማማትካ ብንጹር ክትሕንጽጽን ወሳኒ ብምዃኑ፡ ንባዕሉ ሓደ ካብ ልምዓታዊ ንጥፈታት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዞባታት ደቡብን ማእከልን ዝተኻየዱ ናይ ገምጋም ኣኼባታት፡ ንሓፈሻዊ ስርሓት ናይ 2012 ኣጕሊሖም ዘርኣዩ ነይሮም። Imageኣብ ዞባ ማእከል ኣብዛ ቅድሚ ወርሒ ዝዛዘምናያ ዓመት ሳላ’ቲ ዝተኣታተወ ዘመናዊ ኣገባብን መሳርሒታትን ሕርሻ እኹል ምህርቲ ከምእተሓፍሰ ብተደጋጋሚ ክዝረብ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብዚ ዞባ’ዚ ቅድሚ ምትእትታው ዘመናዊ ስርዓተ ሕርሻ ካብ ሓደ ሄክታር 10 ኩንታል እኽሊ ጥራይ ክሕፈስ ምጽንሑ ከይተዘከረ ክሕለፍ ዘይብሉ ነጥቢ ኮይኑ፡ ዓሚ ግን ካብ ሓደ ሄክታር ክሳብ 50 ኩንታል ምህርቲ ክሕፈስ ዞባታት ደቡብን ማእከልን ኣብ 2012 ምኽኣሉ፡ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣገባብ ሕርሻ ከይተጠቐምካ ምእኩት ሕርሻዊ እቶት ምርካብ ዘይከኣል ምዃኑ እግረ-መንገዱ ዘዘኻኽር ውጽኢት እዩ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ንኣብያተ ሕብስትን ፋብሪካታት ፓስታን ዘገልግሉ ኣርባዕተ ዓይነታት ስርናይ፡ ካብ ኣዝዩ ንኡስ መሬት ዘተባብዕ ስፍሪ እዩ ተሓፊሱ። ከም ኣካል ናይቲ ብደረጃ ሃገር ዝተኻየደ ናይ ምግራብ ስርሓት፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ 390 ሄክታር 1.3 ሚልዮን ፈልሲ ኣግራብ ተተኺሉ። እዚ ጎድኒ ጎድኒ’ቲ ዲጋታት ናይ ምስራሕን መስኖኣዊ ሕርሻ ናይ ምስፋሕን ክካየድ ዝሓገየ ዕማም ዝተሰላሰለ እዩ ነይሩ። ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ማእከል ኢንጂነር ኣብርሃም ዳኒኤል ከምዝሓበሮ፡ እተን ኣብ እምበይቶን ዓዲ በነይን ዝተሃንጻ ክልተ ዲጋታት 80 ሄክታር መሬት ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ኣለወን። ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ 120 ብመስኖ ዝለምዕ መሬት ዘመናዊ ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ ተዋዲዱ ኣሎ።Image ማዕረ ማዕረን ከም ኣካል ናይዚ ልምዓታዊ ስርሓት፡ ናይ 100 ሚልዮን ናቕፋ ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ስርሓት ተኻዪዶም እዮም። ምሕጋዝ ስድራ ቤታት ስዉኣት፡ ምክንኻን ዘኽታማት፡ ከምኡ’ውን ንስንኩላንን ጽጉማት ወገናትን ገንዘባዊ ሓገዛ ምግባር፡ ከምኡ’ውን ምቕራብ ናውቲ ትምህርቲ ንጽጉማት ተማሃሮ ከኣ ገለ ካብቶም ወጻኢታት ዝሓተቱ ናይቲ ዓመት ስርሓት ነይሮም። ኣብ ዞባ ደቡብ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 2012 ጥራይ ልዕሊ 100 ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢ ዝሓተቱ ሕርሻዊ ንጥፈታት ተኻዪዶም። ውጽኢት ናይዞም ስርሓት እዚኣቶም ኣዝዩ ዝተባብዕ ምዃኑ ድማ እዩ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ናይቲ ዞባ ኣቶ ባህታ ቴድሮስ ዝገልጽ። ምስራሕ ዲጋታት፡ ምግራብን ምልማዕ መግቢ እንስሳ ንምፍራይ ዝተዳለዉ ግራውትን ገለ ካብቶም ኣብ 2012 ዝተወጠኑን ዝተተግበሩን ዕማማት እዮም ነይሮም። ምስቲ ውሁድ ናይ ምግራብ መደብ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ 1.7 ሚልዮን ፈልሲ ኣግራብ ክትከሉ እንከለዉ፡ 87 ሚእታዊት ካብኡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ይርከብ። ብማሕበራት ኣፍረይቲ ውጽኢት ጸባ ብዝተኻየደ ጻዕሪ ድማ፡ ሓፈሻዊ ምህርቶም ካብ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ12 ሚእታዊ ክብ ክብል ክኢሉ። Imageፍርያት ኣሕምልትን ፍረታትን እውን ናይ 16 ሚእታዊት ዕብየት ኣርእዩ። ኣብ ምፍራይ ደርሁ ብዝተኻየደ ዕቱብ ስራሕ፡ 33 ሚእታዊት ናይ ምህርቲ ዕብየት ተመዝጊቡ። ኣብ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ ተረኺቡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ዞባ ኣብ 2012 ኣብ ዝተፈላለዩ ሕርሻዊ ስርሓት ዝተረኽበ ውጽኢት ዘተባብዕ ምዃኑ ብምምልካት፡ “እቲ ንፈተነ ተባሂሉ ንውሱናት ኣብነታውያን ሓረስቶት ዝተዓደለ ምሩጽ ኣዝርእቲ ስርናይ፡ ናይ ብሓቂ ኣብነታዊ ነይሩ” ኢሉ። ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ፡ ምውዳድ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት፡ ሕርሻን ካልእ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ ውጽኢት፡ ዘተባብዕን ንቕድሚት ዝደፍእን ምዃኑ እዩ ኣብቲ ኣኼባ ተገምጊሙ። ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘለና ዓመት ብዝያዳ ናህሪ ክቕጽል ምዃኑ ድማ ኣብቲ ውጥን ተነጺሩ ኣሎ። ናይ መወዳእታ መዓልቦ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዞባታት ደቡብን ማእከልን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጨበጠ ውጽኢት ስራሕ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ – ንባዕሉ እቲ ውጽኢት ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ገዲፍዎ ዝሓልፍ ተመኩሮን ኣብ ናይ ስራሕ መንፈስ ዝውስኾ ጸዓትን። ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ዝምዝገብ ምዕባለ መቸም በብናቱ ኣሳጉማ እንድዩ ዝግዛእ – ገለ ኣዝዩ ቅልጡፍ ክኸውን እንከሎ ገለ ግን ዘገምታዊ እዩ። ህይወት ናይ ዜጋታት ንምቕያር ዘንቀደ ልምዓታዊ ጉዕዞ ብባህርይኡ ዘገምታዊ እዩ። እቲ ዘዝሓለፈ ጉዕዞ ኣብቲ ቀጻሊ እናዐበየ ዝኸይድ ሕምባበ ስለዝውስኽ ግን እቲ ዘገምታ ንዝተወሰነ መድረኽ ጥራይ እዩ ዝኸይድ።

About EritreaNewsRoom

EritreaNewsRoom
This entry was posted in Uncategorized and tagged , , . Bookmark the permalink.

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s